“ትግራይ ዘየጠቓልል ምምኽኻር ምሉእ ኣይኮነን” ዋና ኮሚሽነር መስፍን ኣርኣያ (ፕሮፌሰር)
ሓምለ 23/2017 ዓ.ም.
ትማሊ 22 ሓምለ/2017 ዓ.ም.
ዋና ኮሚሽነር ሃገራዊ ምምኽኻር ኮሚሽን ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ ዕላማ ጉዕዞ ልኡኽ ህልው ኩነታት ትግራይ ንምርዳእን ኣብ ቀፃሊ ንጥፈታት እቲ ኮሚሽን ንምምችቻውን ምዃኑ ኣብሪሆም።
ኣገዳስነት ሃገራዊ ምምኽኻርን ክሳብ ሕዚ ዘሎ ኣሰራርሓን እውን መብርሂ ዝሃቡ ዋና ኮሚሽነር “ትግራይ ዘየጠቓልል ሃገራዊ ምምኽኻር ምሉእ ኣይኮነን” ክብሉ ገሊፆም።
ኣብ መስርሕ ምምኽኻር ክሳተፉ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ኩሎም ወገናት ብምሕዋስ ጠንቂ ጎንፂ ንምልላይን ብምምኽኻር ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ከምዝካየድ ኣብሪሆም።
እቲ ኮሚሽን ኩነታት ክልል ትግራይ ተረዲኡ በቲ ኲናት ዘስዓቦ ማሕበራዊ ጉድኣት ከምዘጣዕሰ ዋና ኮሚሽነር ፕሮፌሰር መስፍን ገሊፆም።
ኮሚሽን መጀመርያ ምስ ክልላዊ መዳርግቲ ኣካላት ተኸታታሊ ዘተ ብምክያድ ኣብ ክልልና ሃገራዊ ምምኽኻር ከምዝጅምር፤ ነቲ ዕድመ ተቐቢሉ ዘአንግዶ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልልና ኣመስጊኑ።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ብወገኖም ኣብ ህልው ኩነታት ኢትዮጵያ እቲ ሃገራዊ ምምኽኻር ኣድላዪን እዋናውን ምዃኑ ገሊፆም።
ክሳብ ሕዚ ብኮሚሽን ዘካየዶ ስራሕቲ ዝነኣድ ምዃኑ ጠቒሱ፤ ኮሚሽን ሰላም ኣብ ምምጻእ ልዑል ተራ ከም ዘለዎ ኣረጋጊጹ።
እቲ ሃገራዊ ምምኽኻር ኣብ ክልል ትግራይ ዕዉት ንኽኸውን ድሕሪ ኲናት ኣብ ክልልና ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ምትእምማን ዝፈጥር ስራሕቲ ምክያድ ከምዘድሊ ኣብሪሆም።
ብተወሳኺ ናብ ግጭትን ዘይምትእምማንን ዘብጽሕ ናይ ሚድያ ዲስኩርን ፕሮፖጋንዳን ደው ክብል ጸዊዑ።
ብተወሳኺ ብፌደራል መንግስቲ ክረአ ኣለዎ ዝበሎም ካልኦት ጉዳያት ብዝርዝር ገሊፆም።
ኣብቲ ናይ ዘተ መድረኽ ዝተሳተፉ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት’ውን ነቲ ዞባ ድሕሪ ኲናት ንዘሎ ፍሉይ ኩነታት ኣፍልጦ ምሃብ እቲ ምምኽኻር ኣብቲ ዞባ ክጅምርን ኣድማዒ ክኸውንን ከምዘኽእሎ ኣመልኪቶም።
ኣብቲ ክልል ቆላሕታ ዘድልዮም ኮይኑ ዝተሰምዖም ጉዳያት እውን ብሰፊሑ ኣልዒሎም እዮም።
ኮሚሽን ምስ ካልኦት ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ መዳርግቲ ኣካላት ተኸታታሊ ዘተ ከምዘካይድ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።
ቤት ምኽሪ ኮሚሽን ካብ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት እታዎታት ብምእካብ ኣብ ጭቡጥ ኩነታት ክልል ትግራይ መሰረት ብምግባር ክዘራረቡን ኣንፈት ንምምኽኻር ከምዝሕንፅፅን እውን ተገሊፁ።





